
Memento mori - ዘክር፣ መዋቲ ኢኻ።
Because life is fleeting and uncertain, the most meaningful choice we can make is to fully inhabit the present.
ሂወት ሓጻር ካብ ኮነት፣ ጸዓትካን ምጭንናቕካን ኣብታ እትሪኣን እትነብራን ሎሚ ተኾነ እዩ ተመራጺ።
Curiosty-Wisdom-Freedom ሁንጥይነት፡ልቦና፣ሓርነት | memento mori
Step into a space where philosophy, psychology, art, and passion intertwine to shape a life that feels whole — not perfect.
WELCOME
እንቃዕ ብድሓን መጻኹም
Step into a space where philosophy, psychology, art, and passion intertwine to shape a life that feels whole — not perfect. What discoveries will you make here? We hope you leave a little more inspired, a little more complete, and wondering what’s next.
ኣብዚ ገዛ፣ ፍልስፍና፣ስነ ልቦና፣ ጥበብ፤ ተመስጦ፣ ተሓናፊጸን ንሰብ ምሉኡነቱ እምበር ፉጽምነቱ ከምዘየገድስ ከዘኻኽሮኦ እየን። ናብዚ ብምምጻእኹም፣ ሂወትኩም ዝሓሸት ኮይና ክትከዱ ትምኒትና እዩ።
Shop (ድካን)
Blog(ጹሑፋት)
ሓላዊ ሰላም
ሱስዕ ነጋዳይ
መዓልታዊ ንጥፈታቱ ከም ክልተ ማናቱ ኣሕዋት ቡዙሕ ፍልልይ ኣይርከበንን፣ኩለን መዓልታቱ ኣዝየን ይመሳሰላ፣በቃ ከምቲ “ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ሓድሽ ነገር የለን” ዝተባህለ፣ ኣብ ናቱ መዓልታት ውን ሓድሽ ነገር ምርኣይ ዳርጋ ዘይንቡር ተርእዮ እዩ ሓላዊ ሰላም መዓልታዊ ንጥፈታቱ ከም ክልተ ማናቱ ኣሕዋት ቡዙሕ ፍልልይ ኣይርከበንን፣ኩለን መዓልታቱ ኣዝየን ይመሳሰላ፣በቃ ከምቲ “ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ሓድሽ ነገር የለን” ዝተባህለ፣ ኣብ ናቱ መዓልታት ውን ሓድሽ ነገር ምርኣይ ዳርጋ ዘይንቡር ተርእዮ እዩ
ሒደት ስምዒትን ግዜን ኣውፊሩ፡እቲ ዝደልዮ ነገር ክረክብ ዝፍትን። ናያታ መናግድቱ ስሚዒታት፡ድሌት ኣብ ግምት ከይኣእተወ ወይ ዕሽሽ ኢሉ፡ዘይሚዛ ናዊ ናይ ስሚዒት በደላ ክፍጽም ዝህቅን።ካብቲ ዝኽተሎ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ኣልጊሱ፡በቲ እንስሳዊ ድፊኢታቱ ዝምለኽ።ነቲ ዘይቁኑዕ ውሽጣዊ ድፊኢታቱ፡ካብ ውሽጡ ብዝነቐሉ ደገፍቲ ሓሳባት ጌሩ፡ርትዓዊ ከምስሎ ብዙሕ ሓኸት ይብል።ነታ መናግድቱ፡እቲ ልውውጦም፡ ልውውጥ ፍቅሪ ዘይምኻኑ ኣይሓባኣላን።እዚ ግን ንስሱዑኡ ርትዓዊ ዝገብሮ ኣይመስልን።ንሳ፡ እዚ ንግዲ፡ ንግዲ ፍቕሪ ክኾነላ ዝደለየት ትመስል።እቲ ክውንነት ናይቲ ዕዳጋ ግን ከምዝሓሰበቶ ዘይኮነስ፡ከምዝጸንሓ እዩ።
ንሂወት ኣፍኪስካ ምሓዝ
ዘስሕቕ´ዩ፡ ንሂወት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽረይ ኣእተየያ እየ፡ ክትብል ከምዘይጸናሕኻ፡ሂወት ግን ግብረመልሳ ግርም ጌራ ትበካ።ነገራት ኣብ ሓጺር እዋን ሸታሕታሕ ይብሉካ፡ እቲ እንኮ ዕዮካ፡ነዛ ቁጽጽራ ዘጥፍአት ሂወትካ ምቕጻል ይኸውን።እቶም ጨቢጥካ ሒዝካዮም ዝነበርካ ዝመስለካ እምነታት ብፍጥነት ትስእኖም።ሂወት፡ ነቶም ኣዕኑድ ናይ ምንባረይ እትብሎም ዝነበርካ እምነታት ኣፍሪሳ፡ ብዘይ ቤት ተትርፈካ።ሽዑ፡ ኣብ´ቲ ዝዓነወ ቤት ምስ ዝዓነወ ልቢ፡ ክትነብር ዘይኮንካስ ክትሰርር ትፍትን።ነቶም ልቦም ፈሪሱ፡ ዳግም ክሃንጽዎ ከይፈተኑ ወይ ፈቲኖም ዝተሓለሉ´ሞ ዘይሰረሩ፡ ትዝክሮምን ትርዳኣሎምን።ሂውት ኩሉ ሰብ ብሃሰሰ ለባም ዝነብራ፡ ናይ ጡፉኣት መንገዲ ኮይና ትስማዓካ።ድሕሪ ደጊም፡ “ጨቢጠ ዝሕዞም እምነታትን፡ ዝተኽሎም ኣዕኑድን” ኣይክህልውንን እዮም ትብል፡ መኽንያቱ ንሂወት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ምእታው ዝብል ሓሳብ ዳርጋ ውዱቕ ስለትገብሮ።ንሂወት ኣፍኪስካ ትሕዛ፡ ዕትብነት ኣብ ስራሕ´ኻ እምበር ኣብ ሂወት ኣገዳሲ ኮይኑ ኣይራኣየካን።ነዛ መወዳእታኣ ዘይፍለጥን ንጹር ትርጉምን ዘይብላ ሂወት፡ ብዕትብነት ምሓዝ ምስቲ ብምልኣት ምንባር ዝብል ሓሳባትካ ይጋጨወካ። ስለዚ ኮይኮነ ኣይተርፍን ንሂወት ኣፍኪስካ ምሓዝ ዝሓሸ ኮይኑ ትረኽቦ። ዘየገልግሉኻ ስምዒታት ክተወግድ ትፍትን፡ ብዛዕባ ሞት ብዙሕ ተስተንትን። ዓለምን ሃለኽለኻን ከየጨናንቓኻ ብዙሕ ትጥንቀቕ።ተረርቲ ርእይቶታትካ በብሓደ ካብ ውሽጥኻ ክበኑ ይፍለጠካ።ኩሉ ዘረባኻ “ከምዝመስለኒ ወይ ካብ ተሞክሮይ” ይኸውን።
Support Us (ደግፉና)
Become a member and experience the growth, wisdom, and renewal found within this house.
ኣባላት ብምኻን ኣብዚ ውሻጠ ናይዚ ገዛ ዘሎ ሽሻይ ይቃደሱ!
-
Weekly thoughtfully selected texts available only to members
-
Participation in guided discussion tables
-
Personal guidance and supportive dialogue
-
Meaningful connections and deep friendships formed through shared reflection
-
And more
Some of the content and experiences available to members include:
ገለ ካብቲ ኣባላት ብምኻን ኡቱቃደስዎ ትሕዝቶታት፡
-
ንኣባላት ጥራይ ዝስደዶም ሰመናዊ ምሩጻት ጹሕፍት
-
ተሳትፎ ኣብ ናይ ዝርርብ መኣድታት
-
ዉልቃዊ ምኽርታትን ደገፍን
-
ምስ ካልኦት ኣባላት ብምኻን ዝፍጠር ዓሚቕ ምሕዝነታት
-
ወዘተን







